ስምምዕ ንኽታበት ጸረ ኮቪድ-19 ዝምልከት
ብዛዕባ ጸረ ኮቪድ-19 ዝምልከት ሓበሬታን ቀረብን
ሕጂ ’ምበኣር ቈልዑ ክኽተቡዎ ዝኽእሉ ዝጸደቐ ማለት ተቐባልነት ዝረኸበ ክታበት ጸረ ኮቪድ-19 ተቕሪቡ ኣሎ።
ከም ተወሳኺ ድማ እንታይ ዓይነት ጥቕሚ ኣሎዎ ዝምልከት ኣፍልጦ ኽህብ እዩ። ስለዚ ብዓል መዚ ህዝባዊ ኣገልግሎት ጥዕና ሽወደን ካብ 12 ዓመት ንላዕሊ ዝዕድመኦም ቈልዑ ካብ 11 ጥቅምቲ 2021 ጀሚሩ ዝውሃብ ሓፈሻዊ ክታበት ጸረ ኮቪድ-19 ክኽተቡ ይመክር። እቲ ምኽሪ ድማ ክልተ ዶስ ናይ mRNA ዝዓይነቱ ክታበት መሰረት ዝገበረ እዩ። እዚ ህዝባዊ ኣገልግሎት ጥዕና ዝህቦ ውሳነ ድማ ኣብ ናይቲ ቈልዓ ዝረኽቦ ኣገልግሎት ዘተኮረ ኮይኑ፡ እቲ ዝኽተብ ቈልዓ ዝረኽቦ ጥቕሚ ድማ ከም ግለ ሰብ ኣብ ልዕሊኡ ዘውርዶ ጸገም ከይህሉ ኣብ ግምት ዘእተወ እዩ።
እዚ ኣብ ሽወደን ዝወሃብ ዘሎ ክታበት ጸረ ሕማም ኮቪድ-19 ንኹላቶም ክኽተቡዎ ዝደልዩ ሰባት ብምርጫ ከምኡ ድማ ብናጻ ዝወሃብ ክታበት እዩ። ኣብዛ ወረቐት እዚኣ ድማ ውላድካ ክኽተብ ትደልዮ ዲኻ ወይስ
ኣይትደልዮን ኣብዛ ታሕቲ ኣብ ዘለዋ ምርጫታት ናይ ኤክስ ምልክት ብምግባር መሪጽካ ክትሰድድ ትኽእል ኢኻ።
እቲ ኣላዪ ናይቲ ቈልዓ ማለት ምጕዚት ኣይደልይን እየ ምስ ዝብል ወይ ተገዳስነት ምስ ዘየርእይ እቲ ቈልዓ ኣይክተብን እዩ ማለት እዩ። እዚ ድማ እቲ ቈልዓ ክኽተብ እንተ ዘይደልዩን ባዕሉ ኣብ ዝውስነሉ ዕድመ ብጽሕና በጺሑ ተገዳስነት ከርእይ ዝኽእለሉ ኩነታት እንተ ዘይተገምጊሙን ማለት እዩ። ንዝያዳ ውጽኢት ከኣ እቲ ክታበት ኣብ ዝተወሰነ ፍልልይ ናይ ሰሙናት ክልተ ግዜ ዝወሃብ እዩ። ኣብ ግዜ ክታበት ድማ ተወሳኺ ሓበሬታ ክወሃብ እዩ። እቲ ዝወሃብ ምስክር ወረቐት ንኽልቲኡ ዶሳት ማለት መጠን ዝገልጽ እዩ።
ቅድሚ እቲ ክታበት ከም ተወሳኺ ብዛዕባ ውላድኩም ብዝምልከት ኣብዚ ጥዕናዊ መግለጺ ፎርም ዘሎዉ ሕቶታት ክትምልሱዎም ንሓትት Hälsodeklaration inför vaccination mot covid-19.pdf (vgregion.se) ቅድሚ እቲ ካልኣይ ዶስ ማለት መጠን ክታበት ምውሳድኩም ድማ ሓድሽ ፎርም ጥዕናዊ መግለጺ ክትመልኡ ኢኹም።
ስም ናይቲ ቈልዓ: --- መለለዪ ቍጽሪ ናይቲ ቈልዓ: ---
እወ፡ ውላደይ ክታበት ጸረ ኮቪድ-19 ክኽተብ እሰማማዕ እየ ኣይፋል፡ ውላደይ ክታበት ጸረ ኮቪድ-19 ክኽተብ ኣይደልይን እየ
ፊርማን ቦታን: ዕለት:
--- ናይ ወላዲ/ናይ ኣላዪ ፊርማ፡ መነጸሪ ስም፡ ናይ ቀትሪ ቴለፎን
--- ናይ ወላዲ/ናይ ኣላዪ ፊርማ፡ መነጸሪ ስም፡ ናይ ቀትሪ ቴለፎን
እቲ ናይ ምእላይ ሓላፍነት ናይ ሓባር ምስ ዝኸውን ክልቲኦም ኣለይቲ ይፈርሙ