Ping Pong ብ Unikum ክንትክኦ ኢና
ኣብዚ ክረምቲ እዚ፡ ምምሕዳር ትምህርቲ ነቲ ናይ ትምህርቲ መድረኽ ፒንግ ፖንግ ክትክኦ እዩ። እቲ ሓድሽ ናይ ትምህርቲ መድረኽ ዩኒኩም ይበሃል። እቲ ለውጢ ብጽቡቕ ክኸይድ ተስፋ ንገብር፡ ዓቕሊ ብምግባርኩም ነመስግነኩም!
ስለምንታይ ኢኻ ናይ ትምህርቲ መድረኽ ትቕይር፧
ንህዝቢ ወኪልና ኢና ነዚ ናይ ምርካብ ስራሕ ጌርናዮ፡ ዩኒኩም ከኣ ተዓዊቱ። ዩኒኩም ዝያዳ ዕዮታት ኣለዎ ከምኡ’ውን ኣብቲ መዓልታዊ ህይወት ተማሃሮን መምህራንን እውን ዝሓሸ ደገፍ ኣብ ስነ ትምህርቲ ኣለዎ።
መዓስ እዩ ፒንግ ፓንግ ዝጠፍእ፧
ኣብ 1 ሓምለ፡ ፒንግ ፓንግ ይጠፍእ። ኣብ katrineholm.se/unikum ብዛዕባ ናብ ዩኒኩም እተገብረ ለውጢ ሓበሬታ ክትረኽቡ ኢኹም። ስለዚ፡ ብዛዕባ እቲ ለውጢ ዝገልጽ ኣገዳሲ ሓበሬታ ምእንቲ ከይሓልፈኩም፡ ኣብቲ ገጽ ዝያዳ ተዓዘቡ።
መዓስ ኢኻ ናብ ዩኒኩም ምእታው ትኽእል፧
ኣብ 9 ነሓሰ፡ ናብ ዩኒኩም ብመንገዲ Lärknuten ክትበጽሕ ትኽእል ከምኡ’ውን ኢ-መለለዪ (e-identification) ናብ ዘለዎ ኣፕሊኬሽን ክትኣቱ ትኽእል ኢኻ። እቲ ኣፕ Unikum familj ዝበሃል ኮይኑ ካብ App Store ወይ Google Play (ኣፕ ስቶር ወይ ካብ ጉግል ፕለይ) ኸተውርዶ ትኽእል ኢኻ።
እንታይ ክገብር ይኽእል ኣብ ዩኒኩም፧
ኣብ ዩኒኩም፡ እዚ ዝስዕብ ኽትገብሩ ኢኹም፡
• ካብ መውዓል ህጻናት/ ቤት-ትምህርቲ ሓበሬታ ትረክብ
• ካብ መማህራን ናይ ውላድካ ሓበሬታ ትረክብ
• ምስ መምህራን ናይ ውሉድካ ትራኸብ
• ዕቤት ውላድካ ትምልከት
• ናይ ውላድካ ስራሕን መደብን (ቤት-ትምህርቲ) ንኽትርኢ
• ክትምልሱ ንናይ ምዕባለ ዝርርብ ዕድመ
• ካብ ምምሕዳር ትምህርቲ ሓበሬታ ትረክብ
ኣበይ እየ ንሕቶታተይ መልሲታት ዝረክብ፧
እንድሕር ብዛዕባ ዩኒኩም ሕቶታት ምስ ዝህልወኩም ወይ ገለ ጸገም ምስ ዝርከብ ኣብ larknuten@katrineholm.se ብምጽሓፍ ምስ Lärknutensupport ክትራኸቡ ትኽእሉ ኢኹም።
Bildningsförvaltningen
ዩኒኩም ንመምርሒ ዝኾኑኹም ቪድዮታት ኣዳልዩ ኣሎ። ነተን ቪድዮታት ኣብ Unikums webbplats ክትረኽብዎ ትኽእሉ።