• No results found

Grannsamverkan_Tigrinja.pdf Pdf, 8 MB.

N/A
N/A
Protected

Academic year: 2022

Share "Grannsamverkan_Tigrinja.pdf Pdf, 8 MB."

Copied!
4
0
0

Loading.... (view fulltext now)

Full text

(1)

ብሓባር ኴንና ንናይ ከባቢ ኹም ውሕስነት ከነመሓይሾ ንኽእል ኢና

TIGRINJA

(2)

ሓለዋ ከባቢኻ እንታይ ማለት ኢዩ፧

ሓለዋ ከባቢኻ ምስ ጎረባብትኻ ምፍላጥ ወይ ምልላይ ኣብ ከባቢኻ ዝፍጸም ገበናትን ዘይውሑስ ኣገባታት ንምውጋድ ምስ ወነንቲ ገዛውቲ፡ ፖሊስ፡ ምምሕዳርን ካልኦትን ምትሕብባርን ማለት ኢዩ። ሰባት ብሓባር ኮይኖም ንናይ ሓድሕዶም ገዛውቲ ከም መእተዊ ፡ መጻወቲ ቦታታት፡ ጋራጅ/ግዝያዊ መቆም መኪና ዝኣመሰሉ ሓባራዊ ቦታታት ውን ይከታተሉ።

ረብሓታት ሓለዋ ከባቢኻ

ጽቡቕ ዝተወደበ ሓለዋ ከባቢ

• ኣብ ከባቢ መንበሪ ገዛኻ ዘሎ ገበናት ከጉድል ይኽእል

• ምትሕግጋዝን ጥቡቕ ኮማትን ክህልዉ ከተባብዕ ይኽእል

• ኣብ ከባቢኻ ዝነብሩን ዝሰርሑን ዜጋታት ዝያዳ ውሕስነትን ድሕነትን ከምዝህልዎም ክገብር ይኽእል

• ኣብ መንጎ ጎረባብትን ካልኦት ዝግደሱ ወገናትን ዘሎ ምትእ ምማን ከዕቢ ይኽእል።

ኣብ ስዊድን ብዛዕባ ኣብ መንበሪ ኣፓርታማታት ናይ ዝካየድ መደባት ሓለዋ ከባቢ ዝተኻየደ መጽናዕትታት፡ ሳላ ንጥፈ ታት ናይቲ መደብ መዓልታዊ ገበናት ብኣስታት ሓደ ሲሶ ከም ዝጎደለ የመስክር።

ናይ ከባቢኹም ውሕስነት ኣብ ምምሕያሽ ክትሳተፉ ትደልዩ ‘ዶ፧

ከም ኣወሃሃዲ ምስ ሓለዋ ከባቢ ስርሕ!

ናይ ኣወሃሃዲ ስራሕ

ናይ ኣወሃሃዲ ስራሕ ኣገዳሲ ኢዩ፡ ሓለዋ ከባቢኻ ከምዝሰርሕ ምርግጋጽ ማለት ኢዩ። ነዚ ዝስዕብ ድማ የጠቓልል፡

• መምርሒን ዕንጋለን ካብን ናብን ጎረባብትን ቀንዲ ኣወሃ ሃድን ምትሕልላፍ

• ንኩሎም ነበርቲ ወላ አቶም ኣብ ቀረባ እዋን ዝገዓዙ ብዛዕባ ሓለዋ ከባቢ ሓበሬታ ምሃብ

• ናይ ዝተፈላለዩ ግብራዊ ንጥፈታት ሓላፍነት ምውሳድ፡ ንኣብ ነት ናይ ጎደና ምልክታት ምትካልን ናይ መስኮት ወይ ማዕጾ ተለጠፍቲ ምዝርጋሕን

• ናይ ሓለዋ ከባቢ ስልጠና ምስታፍ፡ እዚ ስርቅን ካልኦት ገበ ናትን ብከመይ ክንከላኸሎም ከም እንኽእልን ካልኦት ኣርእ ስታትን ይሽፍን

• ኣብ ሓለዋ ከባቢ ተወፋይነት ምፍጣር።

ብዙሕ ኣፓርታማታት ዘለዎም ህንጻታት፡ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መደ ያይቦ ሓደ ወይ ክልተ ኣወሃሃድቲ ክህልዉ ንምሕጸን። ኣብ መደያይቦ ዘለዉ ኣፓርታማታት ኣብ ትሕቲ ሓላፍነት ኣወሃሃዲ አ ክኾኑ ኢዮም። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መደያይቦ ዝርከቡ ኣፓር ታመታት ፡ ንውሕስነትን ድሕነትን ዝምልከት ንምምይያጥ ምስ ካልኦት ነበርቲ ኣኼባ ከካይዱ አዮም ።

ኣብቲ ከባቢ ድርኺትን ተወፋይነትን ኣብ ምፍጣር ውን ክትሕ ግዝ ትኽእል ኢኻ። እዚ ማለት ናይ ምክልኻል ገበን ኣጋጣሚ ታት ክተዳሉ ማለት ኣይኮነን፡ እቲ ኣገዳሲ ነገር ኣብቲ ከባቢ ኣወንታዊ ኮማዊ ስምዒት ምፍጣር ኢዩ።

ከም ኣወሃሃዲ መጠን ኣብ ምምሕያሽ ናይ መንበሪ ገዛውትኻ ክትሳተፍ ኢኻ። ምስ ወነንቲ ገዛውቲ፡

ፖሊስ፡ ምምሕዳርን ካልኦት ኣብ ከባቢኻ ዝሰርሑ

ብምሕባር ነቶም ገበናት ዘጉድሉን ውሕስነት ዘመሓይ

ሹን ኩነታት ንምፍጣር ክትነጥፍ ኢኻ።

(3)

ንኣወሃሃዲ ዝግበር ሓገዝ

ኣወሃሃዲ ካብ ዝተፈላላያ ውድባት ደገፍ ወይ ሓገዝ ክረክብ አዩ። ካብ ኣባላት ናይታ መደብን፡ ብፍላይ ድማ ካብቲ ቀንዲ ኣወሃሃዲ፡ ሓገዝን ሓበሬታን ክትረክብ ይኽአል አዩ ። ኣብ ከባቢኻ ዘሎ ኣወሃሃዲ ሓፈሻዊ ዛዕባታት ንምምይያጥ ምስ ቀንዲ ኣወሃሃዲ ወይ ምስ ካልኦት ኣባላት ናይቲ መደብ ክራኸብ ይኽእል ኢዩ።

ኣወዳድባ:

ሽርክና ማሕበር

እታ ናይ ሽርክና ማሕበር ናይ ፖሊሲ፡ ጸጋታት፡ ናይ ስራሕ ምዕባለታት ምክትታልን ሓላፍነት ኣለዎ። እታ ናይ ሽርክና ማሕበር ብወነንቲ ገዛውቲ፡ ማሕበር ተኻረይቲ፡ ፖሊስ፡ ምምሕዳ ርን ከተማን ካልኦትን ዝቖመት ኢያ።

ቀንዲ ኣወሃሃድን ዞባዊኣወሃሃዲ ጉጅለ

እቲ ቀንዲ ኣወሃሃዲ ነቲ ስራሕ ኣብ ምውህሃድን ምውዳብን ኣብ ግብሪ ከም ዝወዕልን ምግባር ሓላፍነት ኣለዎ። ከምኡ ውን ኣብ መንጎ ነበርትን ሽርክና ማሕበርን ሓበሬታ የመሓላልፍ።

ቀንዲ ኣወሃሃድን ዞባዊ ኣወሃሃዲ ጉጅለን ንጥፈታትን ምውህሃ ድን ከካይዱ ይኽእል ኢዩ።

ኣወሃሃድቲ

እቶም ኣወሃሃድቲ ኣብ መንጎ እቲ ቀንዲ ኣወሃሃድን እቶም ኣብ ሓደ መሳልል ዝነብሩ ነበርትን ሓበሬታ የመሓላልፉ። ኣብ ሓደ መሳልል ሓደ ወይ ክልተ ኣወሃሃድቲ ክህልዉ ኣድላዪ ኢዩ።

ጉጅለ መሻርኽቲ

ቀዳማይ ተረካቢ ሰብ

ጉጅለ ምውህ ሃድ ኣከባቢ

ተረካቢ ሰብ

(4)

ተወሳኺ ሓበሬታ ብዛዕባ ሓለዋ ከባቢኻ

© Brottsförebyggande rådet 2016, Form: Ordförrådet AB och AB Typoform, Illustratör: Anna Gunneström

Brottsförebyggande rådet (Brå) – (ሃገራዊ ቤት ምኽሪ ምክልኻል ገበን)

እዚ ጽሑፍ እዚ ካብ Grannsamverkan i flerfamiljshus - en guide (መምርሒ ናይ ሓለዋ ኣከባቢ ኣብ ብዙሕ ደር ብታት ዘለዎም ኣፓርታማታት) ዝወጸ ኢዩ። ኣብ ናይ Brå ዌብሳይት፡ ኣብ ህንጻታት ኣፓርታማ ከመይ ሓለዋ ከባቢኻ ተካይድ ተገሊጹ ይርከብ፡ ሓበሬታ ብዛዕባ ዝተፈላለዩ መደባት ሓለዋ ከባቢኻን አቲ ዝተኻየደ መጽናዕትን መረዳእታ ክትረኽቡ ትኽእሉ።

www.bra.se/grannsamverkan

ኣንጻር ገበን ምትሕብባር

ኣብ ሃገራዊ ደረጃ Samverkan mot brott ( ኣንጻር ገበን ምትሕብባር) ዝበሃል ውድብ ፍልጠት ብምዝርጋሕ፡ ሓባራዊ መምርሒታት ብምውጻአ ከምኡ ውን ስልጠናን ሓበሬታን ብምሃብ ይሰርሕ።

Samverkan mot brott ብፖሊስ፡ Brå፡

Sveriges Kommuner och Landsting (SKL)፡ SSF (ኣቐዲሙ

Stöldskyddsföreningen ዝበሃል ዝነበረ) ትካላት መድሕን፡ ወነንቲ ገዛውትን ማሕበራት ህንጻ ገዛውትን ዝቆመ አዩ።

www.samverkanmotbrott.se

ኣወሃሃዲ ክትኮውን ትደሊ ‘ዶ፧

ተወሳኺ ሓበሬታ ምስ ትደሊ ወኪል ናይ ሓለዋ ከባቢኻ ተወከስ:

Skriv in era kontaktuppgifter här.

Lägg in er logotyp under era kontaktuppgifter eller till höger genom att lägga till bild.

References

Related documents

Brottsförebyggande rådet (Brå) – ( Gollaha Qaranka ee Ka hortagga Dembiga) Qoraalkan waxa uu ku salaysanyahay Grannsamverkan i flerfamiljshus – en guide (Hagaha Ilaalada Xaafadda

هل تێب هد رادش هب ۆت ،یدنەویەپ یەواچرەس یکێسەک کەو ڵەگەل هو هكێپ .تۆخ ینووبێجەتشین یەچوان یندبرشێپوەرەب ۆت یەکەچوان ەل یەناوەئ و ،سیلۆپ ،یناوەراش ،کڵوم نەواخ

.ىرخلأا مئارجلاو ةقسرلا عنم ةيفيك ؛اهنم .كتقطنم في يحلا ةيماح قيرفل مازتلا ميدقت • نم يننثا كانه نوكي نأ ةينكسلا ققشلا ةددعتم نيابلما في ديجلا نم ققشلا يه

Neighbourhood watch is about getting to know your neighbours and cooperating with, among others, property owners, the police and the municipality, in an attempt to tackle crime

دزادرپ یم رگید میارج و تقسر زا یریگولج یگنوگچ .ماش هقطنم رد هلحم ناب هدید هب دهعت داجیا • تسا یبوخ رکف ،دنتسه یدایز یاه ناتمراپآ یاراد هک ییاه نماتخاس رد هب

Kansallisella tasolla Samverkan mot brott (Yhteistyö rikollisuutta vastaan) – organisaatio työskentelee naapurustopartion konseptin mukaisesti levittäen tietoa, kehittäen

Kontaktombuden i ditt område kan även ha träffar tillsammans med huvudkontaktombudet eller med någon annan som arbetar med grannsamverkan. Då kan man prata om mer

هګنڅ یوینخم ونومرج وا لاغ د ېچ يو لماش مه اد هسر وتاعوضوم شي یدیک .لوک هنمژ هراپل ېنراڅ ډنواګ د ېک همیس هلپخ هپ • وی هراپل ېرلا ېوی د ېنیز د ېچ يو اد هروغ